April 27, 2019

ቀይሕ-ባሕሪ – ዘላቒ ጸጥታን ርግኣትን ብኸመይ?

ልኡኽ ኤርትራ፡ ካብ 21-22 ሚያዝያ 2019፡ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ-ዓረብ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመንን ሶማልያን ዝተሳተፉዎ፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ኣገዳስነትን ቀይሕ- ባሕሪ ዝዘተየ ዋዕላ ተሳቲፉ፡ ሰረታዊ መትከላትን መርገጺን ኤርትራ ዘነጽር ወረቐት ምቕራቡ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን’ዚ እዩ።

ከምዝፍለጥ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኣርባዕተ ማእዝናት ዓለምና (ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ሰሜን፡ ደቡብ) ዘራኽብ ማእከልን መሳግሮን ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና’ዩ። ጸብጻባት ከምዘመልክቱዎ፡ ንኣሽቱን ማእከሎትን መጐዓዝያታት ከይወሰኽካ፡ በዚ መስመር’ዚ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 20,000 ዓበይቲ ናይ ንግድ መራኽብ ይመሓላለፋ። በቲ ቀጢን መትረብ ባብ ኤል-መንደብ መዓልታዊ ዝሓልፍ ጽዕነት ነዳዲ ድማ፡ ካብ 3.3 ሚልዮን በርሚል ንላዕሊ ምዃኑ ይፍለጥ።

Latest Articles

መገዲ ሕውየት፡ ንግጭት ደጋዊ ምምሳል ወይ ንኤርትራ...

الحل لا يكمن في إضفاء طابع خارجي على الصراع أو إلقاء اللوم على...

The Pancea does not Lie in Externalizing the Conflict or...