September 5, 2022

ተመራማሪ ባህልን ስነ-ጥበባውን ሰሎሞን ጸሃየ፡

“ደቂ-ሰብ፡ ከም ዝጥዕሞም ገይሮም
ኣብ ባህሪ ክነብሩ፡ ባህሊ ፈጢሮም ”

ተመራማሪ ባህልን ስነ-ጥበባውን ሰሎሞን ጸሃየ፡ ደራሲ ናይ’ተን “ሳሕል – ሕሩይ ግጥሚታት ቃልሲ” ዘርእስታ ዝበዝሑ ኣብ ሜዳ ዝተደርሱ ግጥሚታት ዝሓዘት – ኣብ 1994 ዝተሓትመትን፣ “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” ዝሰመያ ኣብ 2012 ዘሕተማ ዓባይ መጽሓፍ ኣፋዊ ያታ ቋንቋ ትግርኛን እዩ። ሰሎሞን፡ ካብ 1979 ጀሚሩ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ባህልን ስነ-ጥበብን ዝሰርሐ ምኵር ሞያተኛ እዩ።

ኤፍረም ሃብተጽዮን

ሓዳስ ኤርትራ

ናይ ሎሚ ዕዱም ጋሻና ገይርናዮ ኣሎና፡ ሰናይ ንባብ! ባህልን ስነ-ጥበብን ዝብሉ ኣምራት ብኸመይ እዮም ዝግለጹ?
ባህሊ ኣዝዩ ሰፊሕ’ዩ። ደቂ-ሰብ ዝሓስቡዎ፡ ዝብሉዎ፡ ዝገብሩዎ፡ ዝሰርሕዎ ኩሉ ኣብ ባህሊ’ዩ ዝሕቈፍ። ብሓጺሩ፡ ኣእምሮን ኢድን ደቂ-ሰብ ዝሓለፎ ዘበለ ኹሉ ኣካል ባህሊ እዩ። ካብ ባህሊ ወጻኢ ዘሎ፡ ባህሪ ጥራይ እዩ።

download

Latest Articles

ክብሪ ንሰብ ግብሪ

السودان وإرتريا: شراكة تاريخ وأخوة راسخة في وجه التحديات

ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት ዝኽሪ 50...