March 9, 2021

ኣብ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡
ኤርትራዊት ጓል ኣስንተይቲ
ናብ ምርግጋጽ ተወሳኺ ዓወታት

ሙሓመድ ኑር ያሕያ
ሸሞንተ መጋቢት ዓለማዊ መዓልቲ ደቀ ንስትዮ ንኣበርክቶ ጓል ንስትይቲ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ብዘይ ናይ ዜግነትን ኤትኒክን ቋንቋን፡ ከምኡ’ውን ፓሎቲካውን ቁጠባውን ባህላውን ኣፈላላይ ዓመት መጸ ብዓለም ደረጃ ይበዓል።
ደቀንስትዮ ምሉእ ፍርቂ ናይ ሓደ ሕብረተ- ሰብ ወይ ሃገር ቡኡ መጠን ድማ ንፍርቂ ህዝቢ ዓለም ዘቁማ ብምኻነን፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ነዚ ንምሉእነት ሓደ ሕብረተ ሰብ ዘረጋግጽ ኣገዳሲ ክፋል እዚ ንክዝክርን ከብዕልን ግዴትኡ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ እዚ ታሪኻዊ ዕለት እዚ መድርዒ ነቲ ብኤርትራውያን ደቀ-ንስትዮ ዝተመዝገበ ኩሉ መዳያዊ ገስጋስን ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ብጽንዓትን መኸተን ኤርትራዊት ጓል -ንስተይቲ ዝተረጋገጸ መኽሰባትን ብዘውሕስ መንገዲ ኢና ዓመት መጸ እነብዕሎ። ናይ ሎሚ ዓመት በዓልና ድማ ኤርትራዊት ጓልንስተይቲ ድራኺት ልምዓትን መኸተን ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ክነብዕሎ ከለና፡ኤርትራውያን ደቀ ንስትዮ ትእምርቲ ጽንዓትን መኸተን ብምዃን ንኩሉ እቲ ንምዕባሌአንን ኣበርክቶአንን ዝኾልፍ ኣድልዎን ጭቆናን ስዒረን ናጽነት ሃገረን ዝረጋገጻን ሉኡላውነት ዘውሓሳን ፡ማዕርነታዊ መሰለን ብንጡፍ ተሳትፎ ዘረጋገጻን ፡ ኣብ ወሳኒ ናይ ብሕታውን ምንግስታውን ጽፍሕታት ብምድያብ ኣብ ልምዓትን መኸተን ተሳቲፈን ተጻብኦታት ዘፍሸላን ብምዃነን ነዚ ኣበርክቶ ኣዚ ንምግላሕ ዝዓለመ ኢዩ።

download

Latest Articles

ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ክልተ ሕጋጋት...

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (13ይ...

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت