September 18, 2021

ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ ቃልሲ

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ
ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፡ ብ10 ሓምለ 1960፡ ምቛም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ካይሮ ከምዝተኣወጀ ተገሊጹ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ታሕሳስ 1960 እድሪስ መሓመድ ኣድም ምስ ኢብራሂም ሱልጣን ሓገዝ ንምሕታት ካብ ካይሮ ተበጊሶም፡ ናይ መጀመርታ ዲፕሎማስያዊ ዑደት ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣካየዱ። ካብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ግን ብዘይካ “ናብ ሕቡራት ሃገራት ኬድኩም ጥርዑ” ዝብል ማዕዳ ዝረኸብዎ ነገር ኣይነበረን። ደኺሞም ንካይሮ ተመልሱ። ኣብ ካልኣይ እግሪ እድሪስ በይኑ ናብ ስዑዲ ዝገበሮ ዑደት’ውን ብዘይካ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ተራኺቡ ብሓባር ክሰርሑ ምስምምዑ ካልእ ፋይዳ ኣይረኸበሉን። ብ20 ታሕሳስ 1960 እድሪስን ዑስማንን ናብ ሞቓድሾ ብምምራሕምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብዱራሺድ ሻርማርክ ተራኸቡ። ሽዱሽተ ጠለባት ድማ ኣቕረቡሉ። ንሱ ድማ ኣብታ ሃገር ማሕበር ከቚሙ ስለዘፍቀደሎም፡ ኣብ ለካቲት 1961 “ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራ-ሶማል” ብወግዒ ተመስሪቱ ዑስማን ሳልሕ ሳበ፡ ነቲ ማሕበር ከካይዶ ጀመረ። ኣብ’ቲ ፈለማ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ማሕበር’ዚ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንምፍላጥ ምስ ኤምባሲታት ምርኻብ፡ መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ምዝርጋሕ ከምኡ’ውን ዕድል ኣብ ዝተረኽበሉ ጎስጓሳት ምክያድ ነበረ። መንግስቲ ሶማል ብግደኡ፡

download

Latest Articles

إرتريا من ضحية الى لاعب اساسي في القرن الافريقي

ኤርትራ፡ ካብ ግዳይ ናብ ቀላሲት ጂኦፖለቲካ ቀርኒ...

Eritrea From Victim to a Key Player In the Geopolitics...