April 26, 2025
ራብዓይ መድረኽ (1978 – 1991)
ካብ 1975 – 1978 ዝነበረ እዋን፡ ስርዓት ደርግ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ብርቱዕ ኲናት ናብ ስዕረት ተገምጊምሉ ዝነበረ እዋን’ዩ። ገዚፍ ወተሃደራዊ ምትእትታው ርእሰ ሓያል ሕብረት ሶቭየት ስለ ዝመጸ ግን፡ ኣብ መፋርቕ 1978 ወተሃደራዊ ኩነታት ብመሰረቱ ተቐየረ። ደርግ በቲ ዝረኸቦ ደገፍ፡ ኣብ ሒደት ኣዋርሕ ንዓቕሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ብዓቢ ደረጃ ክብ ብምባል፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ሰራዊት ብምህናጽ ካብ ምክልኻል ወጺኡ ናብ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተሰጋገረ። ሰውራ ኤርትራ ድማ ካብቲ ሓራ ዘውጽኦ ሰፊሕ ከባቢታት ኤርትራ ከዝልቕ ተገደደ።