May 21, 2024

ሓተታ

ህልው ኩነታትን ኣንፈት ብሩህ መጻእን

ህልው ኩነታትና፡ ካብ ሕሉፍ ኩነታትና ዝተነጸለ ኣይኰነን። እቲ ሕሉፍ ንብሎ፡ ነዚ ህልው ዝወለደ፡ ኣብ’ዚ ህልው ዘሎ’ምበር፡ ኣሰር ከይገደፈ ዝሓለፈ ኣይኰነን። መጻኢና፡ መጻኢ ኩነታትና ድማ፡ ውልዶ ሕሉፍናን ህልውናን’ዩ። ብሓጺሩ፡ ህልው ኩነታትና ውጽኢት ናይ’ቲ ትማሊ ዝሓለምናዮ፡ ዝወጠንናዮ፡ ዝሰራሕናዮ፡ ዝረሃጽናዮ፡ ዝተጋደልናዮ፡ ዝመከትናዮ፡ ዝመሃዝናዮ፡ ዝተመሃርናዮ፡ ዝተወደብናዮ፡ ዝሰመርናዮ፡ ዝሰንከልናዮን ዝተሰዋእናዮን’ዩ። ንመጻኢና ዝውስኖ ድማ፡ ሎሚ ሃንቀው ንብሎ፡ ንትልሞ፡ ንዂስኲሶ ሃገራውነት፡ ነደልድሎ ሓድነት፡ ነስጥሞ መሳርዕ፡ ንሃንጾ ትካላት፡ ንመሃሮ፡ ንቐስሞ ሞያ፡ ንውደቦ፡ ንነጥፎ፡ ንምክቶ፡ ንጋደሎ፡ ንጽዕቶ፡ ንስንክሎን ንኸፍሎ መስዋእትን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

download

Latest Articles

Interview with Mr. Adolfo Urso, Minister of Enterprises...

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (8ይ...

መእተዊ