January 3, 2025
ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ’ቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንማሕበር ሃገራት ዓለም ተኪኡ ኣብ 1945 ዝተመስረተሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ናይ’ቲ ውድብ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባ የካይድ እዩ። ከምኡውን ከም’ቲ ልሙድ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ኣብዚ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ተኻይዱ። ኣብዚ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባ’ዚ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት፡ ነገስታት፡ ኣቦ መንበር ሚኒስተራትን ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይን ይሳተፍዎ እዮም። ኣብኡ ኸኣ ብኹሎም ተሳተፍቲ ዘብለጭክጭ መደረታት ይቐርብ። ዘይቀርብ ሃገራዊ፡ ዞባዊ፡ ክፍለ-ዓለማዊ ይኹን ኣህጉራዊ ጉዳይ የለን። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘገርም ግን ኣብ’ቲ ዓመታዊ ዝቐርብ ጉዳያት ክትዕ ኣይካየድን እዩ። ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኹለን ኣባል ሃገራት ዝውከል ዝለዓለ ስልጣን ከም ምዃኑ መጠን፡ ኩሉ ኣብኡ’ዩ መፍትሒ ክረክብ ዝግብኦ ነይሩ።