April 26, 2025
ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
“ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት ኣፍሪቃ” “ወጥሪታት ትግራይ ንዞባዊ ግጭት ይዕድም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ3 ሚያዝያ 2025 ጽሑፍ ዘርጊሑ ነይሩ። ሕጂ ዝህቦ መልሲ ግን፡ ኣብ’ቲ ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናቲታት ኣፍሪቃን እቶም ብድሕሪት ኮይኖም ዘመሓድርዎ ወገናት ኮነ ኢሎም ካብ ክፉእ ሕሳባት ተበጊሶም ንኤርትራ ዝምልከት ዘውጽእዎ ጽሑፋትን ዘተኮረ ጥራሕ’ዩ ክኸውን። ይኹን’ምበር ኣብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታወይ ነዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ትዕዝብቲታት ምቅራብ ኣገዳሲ እዩ።
ቀዳማይ ትዕዝብቲ፦ “እዚ ኣብ 1999 ዝተመስረተ “ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲታት ኣፍሪቃ” ሽሙ ከም ዝሕብሮ ማእከል ኣፍሪቃ