April 1, 2022

መደረ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ መበል
35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ

ኸበርካ ኣቦ-መንበር! ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን!

ፈለማ፡ ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ቃሎም ዘስምዑ ተጸንቢረ፡ ንመንግስትን ህዝብን ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ስለ’ቲ ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን፡ ምስጋና አቕርብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰላምታን ሰናይ ምንዮት ዓወትን ሓውኹም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነዚ ክቡር መጋባእያ ከቕርብ ከለኹ’ውን ሓበን ይስመዓኒ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ንኣህጉራዊ ምዕባለታት ብዝምልከት፡ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ መድረኽ’ዩ ዝቃናዕ ዘሎ። እዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ዓለምና ብዝርአ ዘሎ እልቢ ዘይብሉ ዲናሚካዊ ለውጥታት ሓይልን ጽልዋን፡ ምትህልላኽ ቀንዲ ኣህጉራውያን ሓይልታት ኣብ ቃልዕ ወጺኡ፡ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ሞዴል እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ዘሎ ይመስል። ምዕባለታት ዩክሬን፡ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና፡ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ፡ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ርሱን ቦታታትን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ኣንደቕዳቒ

download

Latest Articles

ገምጋም መጽሓፍ፣ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962

1961الفاتح من سبتمبر نهاية مرحلة وبداية مرحلة وفاتحة مرحلة

Statement by Mr. Tesfai Ghebreselassie Sebhatu