May 6, 2023

መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣፈወርቂ
ኣብ ኣመዓባብላ፡ ባህሪን ኣመትን ግጭት ሱዳን

• ክቡር ፕረዚደንት ብጥሩፍ ሃይማኖታዊ ኣጀንዳኡ ነዚ ዞባ ብሓፈሻ፡ ኤርትራ ንእትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ድማ ብፍላይ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ዝነበረ ስርዓት ኣልበሽር፡ ኣብ 2019 ብቝጥዐ ህዝቢ ሱዳን ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ኣብ ሱዳንን ዞባናን ትስፉው ሃዋህው ተፈጢሩ ነይሩ። ክልተኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ንምዕዛዝ እውን፡ ቀጻሊ ርክባትን ምምኽኻርን ክካየድ ጸኒሑ። ሓድጊ ስርዓት በሽር ከም ረቛሒ ብምዝካር፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ንሱዳን ናብ ዘየድሊ ዕጥቃዊ ግጭት ዘምርሐ ኵነታት ጠንቁን ባህርያቱን እንታይ እዩ? ጂኦ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ሱዳን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ክንዮኡን ጠሚትካ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት ብሻላ-ማላ ዝርአ ኣይኰነን። ኣብ ሱዳን ድሕሪ 2019 ዝመጸ ናይ ቀረባ ዓመታት ምዕባለ ናቱ ዳይናሚክስ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካበይ መጺኡ?

download

Latest Articles

President Isaias held talks with AU Commissioner For...

Resilience and Progress: Eritrea’s Path To...

ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት ዝኽሪ 50...