February 22, 2025
ሓዳስ ኤርትራ
ሕሉፍ ታሪኽ ምዝካር ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ኣብ ሕሉፍ ንምንባር ወይ ቂምን ጽልኢን ንምትራፍ ዘይኮነ፡ ካብኡ ትምህርቲ ብምቕሳም፡ ኣሉታዊ ታሪኽ ከይድገም ንቕሓት ንምፍጣር እዩ። ብኣጋጣሚ ዝኽሪ 50 ዓመት ህልቂት ኣስመራን ከባቢኣን፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ህልዊን መጻኢን ወለዶታት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኢትዮጵያውያን እውን ክፈልጥዎ ዝግባእ፡ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዒታት ብጽምቚ ዝበለ ንኣንበብታ ተቕርብ። እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብኣሕተምቲ ሕድሪ እተሰናድአት መጽሓፍ “ግፍዒ፡ ዛንታታት ተሞኩሮ ገድሊ ቅጺ-8” ኣብ መእተዊ ዘስፈረቶ ብሰለሙን በርሀ እተዳለወ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ንኣሽቱ ምትዕርራያት ተገይርሉ ከምዘሎ ንሕብር።