February 28, 2025
ግፍዒታት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ
ሓዳስ ኤርትራ
ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ኣብ ዝላቐቓሉ ዝነበራ መድረኽ፡ ንጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ኣመሪካን መሓዙታን ተባሂሉ፡ እታ ግዝኣት ጣልያን ዝነበረት ከም ውጽኢቱ ዝሓሸ ቁጠባዊን ባህላዊን ዕብየት ዝነበራ ኤርትራ፡ ብስም ፈደረሽን ምስታ ብብዙሕ መዳያት ካብኣ ዝደሓረት ብንጉሳዊ ስርዓት እትመሓደር መስፍናዊት ኢትዮጵያ ክትቊረን’ዩ ተፈሪዱዋ። ፈደረሽን፡ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበረን። ድሌት ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት እዩ ዝነበረ። “ኤርትራ እጀታይ’ያ” ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ዘቕረበ ሃጸይ ሃይለስላሰ ናይ ኢትዮጵያ እውን፡ ድሌቱ ቀጥታዊ ምጽንባር ኤርትራ