May 8, 2015
ባሕቲ ግንቦት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብደረጃ ሃገር ንመበል 24፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ንመበል 125 ግዜ ትኽበር ኣላ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.) ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ብሓፈሻ፡ ንሰራሕተኛታት ድማ ብፍላይ፡ እንቋዕ ነዛ ሕላገት ምዕባለን መሃዝነትን ዝኾነት ክብርቲ ዕለት ክንዝክር ኣብቃዓና ይብል።
ሓደ ግንቦት፡ ሰራሕተኛታት ዓለም ብዘይ ዝኾነ ይኹን መፈላለዪ ረቛሒታት፡ ዝሓለፈ ጉዕዞኦም ገምጊሞም መጻኢኦም ዝትልሙላ ድልድል መላግቦ እያ። መላእ ሰራሕተኛ፡ ኣብዛ መላግቦ’ዚኣ ኮይኑ ንድሕሪት እንከቋምት፡ ኣብ ህንጸትን ምዕባለን ዓለምና፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ፡ ኣብ ምትራር ኣህጉራዊ ምሕዝነት ሰራሕተኛታትን ተዛማዲ ጉዳያትን ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ክሕበን እንከሎ፡ ብመንጽሩ ሰብኣውን ሕጋውን ክብርታቱ ንምርግጋጽ ዝሰገሮ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ዝኸፈሎ ኩሉ ዓይነት ዋጋን ንጽንዓቱ ዝያዳ ይድርዖ። ኩሉ’ቲ ዝተሰነደን ዘይተሰነደን ቃልሲ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ዓለም ምስ’ቲ ክቡር ዕላማኡ ተንጸንቢሩ ድማ፡ ንባሕቲ ግንቦት ኣብ ዝበረኸ ቦታ የቐምጣ፡፡