May 9, 2022

“ናይ ኩሉን ንኹሉን” ዓለም –
ግዴታ’ምበር ሕርያ ኣይኮነን

ሓተታ፥ ቀዳም 7 ግንቦት፡ 2022 | Shabait

ዓለምና፡ ብኣዝዩ ተሃዋሲን ኣሻቓልን መድረኽ ትሓልፍ ኣላ። ኲናት ዩክረየን ክሳብ ሕጂ ኣብ ህይወት ኣውሪድዎ ዘሎ መቕዘፍቲን ስቓይን፣ ኣብቲ ዞባ ዘለዎ ጽልዋን ብሓፈሻ ኣብ ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን ፈጢሩዎ ዘሎ ወጥሪን ስግኣትን፣ ቁጠባዊን ንግዳዊን ስምብራቱ ብደረጃ ዓለም፣ እምብዛ ከቢድ እዩ።
ዓለማዊ ግድላት መሰረታዊ ፍታሕ ኪርከቦ፡ ነዚ ህልዊ ኩነት ዝወለደ፡ ዕቱብ ኣተኩሮ ዘድልዮ፡ ቀንዲን ጉሉሕን ጸገማት ብሕጽር ዝበለ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ናይ ሩስያ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሱር መሰረት ናይቲ ጸገም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣነጺሩዎ ነይሩ፦
ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ እንኮ ቑጥባዊ ዓለማዊ ስርዓት ንምንጋስን ዕብለላ ሓደ ወገን ክውን ንምግባርን ዝተሃቀነ ዓንዳሪ ፖሊሲ “ድረታ”፣
ንሩስያ ንምድራትን ንምድኻምን ንምንጻልን ዝተቐየሰ ውጥን፣ ካብኡ ብዘይንእስ፡ ቻይና ንምድራት ዝተቐየሰ ውጥን፣

download

Latest Articles

ገምጋም መጽሓፍ፣ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962

1961الفاتح من سبتمبر نهاية مرحلة وبداية مرحلة وفاتحة مرحلة

Statement by Mr. Tesfai Ghebreselassie Sebhatu