September 22, 2018

ዳግማይ ምብጻሕ
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ ኤርትራ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆን ብ5 መስከረም 2018 ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኤርትራ ኣትዮም። ካብ ክልቲኦም መራሕቲ ቀዲሙ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ንሱ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝተጋብአ ሳልሳይ ዋዕላ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ቻይናን ድሕሪ ምስታፉ’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ዝኣተወ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ፍጹም ኣረጋን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምውቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ብድሕር’ዚ ብመስመር ዓሰብ – ቡሬ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ብማካይን ተጓዒዞም፡ እቲ ጽርግያ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም።

ብምቕጻል መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ብነፋሪት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ኣትዮም። ካብኡ ብቐጥታ ናብ ወደብ ባጽዕ እዮም ኣምሪሖም። ኣብ ወደብ ባጽዕ፡ ‘መቐለ’ እተሰምየት ዓባይ መርከብ ኢትዮጵያ ንጡፍ ስራሓ ኣብ ምስልሳል ጸኒሓቶም።
ኩባንያ ዕደና ቢሻ ዘፍረዮ ማዕድን ዚንጎ (zinc) ንምምልላስ ኣብ ዝወጽአ ኣህጉራዊ ጨረታ፡ ንግዳዊ መርከብ ኢትዮጵያ ስለ ዝተዓወተ እያ፡ እዛ መርከብ ስራሓ ንምፍላም ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝኣተወት። እታ መርከብ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ወደብ ኤርትራ ዝኣተወት ናይ ፈለማ መርከብ ኢትዮጵያ ብምዃና ታሪኻዊት ይገብራ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ናብታ ኣስታት 180 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ ዓባይ መርከብ ብምድያብ፡ ተዛዊሮም ተዓዚቦምዋ። ብኣዘዝቲ ናይታ 20 ሽሕ ቶን ናይ ምስካም ብቕዓት ዘለዋ መርከብ ድማ፡ መብርሂ ተዋሂብዎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንጋዜጠኛታት ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “መርከብ ‘መቐለ’ ናብ ወደብ ምጽዋዕ ምእታዋ፡ እቲ ኣቐዲመን ክልቲኤን ሃገራት ዝኸተማኦ ስምምዕ፡ ኣብ ባይታ ይትግበር ምህላዉ ዘመስክር እዩ። ከምዚ ትርእይዎ ዘለኹም ድሕሪ ዕስራ ዓመት ‘መቐለ’ ዝተሰምየት መርከብ ኢትዮጵያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ስራሕ ጀሚራ ኣላ። ከምቲ ኣቐዲምኩም ዝተዓዘብክምዎ፡ ወደብ ዓሰብ ንኢትዮጵያ ኣገልግሎት ንኽህብ ኵሉ ኣድላዪ ዘበለ ምድላዋት ይግበረሉ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ዘላንበሳ ዘሎ ጽርግያ ጸጊንና፡ ንናይ መሬት መጓዓዝያ ድሉው እንተ ገይርናዮ፡ ክልቲኤን ሃገራት ብመሬት፡ ብባሕርን ሰማይን ርክበን ብምድልዳል፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ንኽልቲኦም ህዝብታት ልዑል ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ንዓና ጥራይ ዘይኰነ፡ ንምሉእ ዓለም ዓቢ ብስራት እዩ። ንሕና ኸኣ፡ ከም ነቲ ጕዳይ ዝጀመርናን ንምዕባለኡ እንከታተልን መራሕቲ መጠን፡ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዮሃና ክንብሎም ንፈቱ። ከም ህያብ ሓድሽ ዓመት ክቘጽርዎ ድማ እደሊ።” ኢሉ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ናብቲ ብ‘ናጻ ንግዳዊ ዞባ’ ዝፍለጥ እዮም ኣምሪሖም። ነቲ ቦታ እናተመያየጡ ተዓዚቦምዎ። ካብኡ ናብቲ ናይ
ምሳሕ ዕድመ እተዳለወሎም ከባቢ ሆቴል ገርጉሱም ኣምሪሖም። እኹል ዕረፍቲ ምስ ወሰዱ፡ ብነፋሪት ናብ ኣስመራ ኣቕሪዖም።
ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኰነ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ንፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ንምቕባል ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ኣስመራ ተረኺቦም። ብሓባር ብኽብሪ ተቐቢሎምዎ።
ካብኡ ብቐጥታ ፈስቲቫል ኤርትራ ንምዕዛብ ናብ ኤክስፖ ኣትዮም። ኣብኡ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ብዕልልታን ጣቕዒትን’ዩ ተቐቢልዎም። ነቲ ኣብ ፈስቲቫል ዝቐረበ ምርኢት እናተዘዋወሩ ክዕዘቡ እንከለዉ፡ ብኣቕረብቲ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂብዎምን ማእለያ ዘይብሉ ህያባት ተበርኪትሎምን።

ንምሸቱ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኽልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ናይ ድራር ዕድመ ገይርሎም። ሰለስቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ሰፊሕ ምይይጥ፡ ኣርባዕተ ነጥቢ ዝሓቘፈ ኣገዳሲ ሓባራዊ ስምምዕ ከቲሞም።
ድሕሪ እቲ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጕዳያትን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንጋዜጠኛታት ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ሎሚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ዓበይቲ ስራሓት ተፈጺሙ ክንብል ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ናይ ምትሕብባር መደባት፡ ድሕሪ እቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዝገበርዎ ናይ መጠረሽታ ርክብ ንዘሎ ምዕባለታት ንምግምጋም እዩ። እቲ ካልኣይ፡ ነዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ነቲ መደባት ንምቅልጣፍ ማለት ነቲ ሓሙሽተ ዓንቀጻት ናይቲ ስምምዕ ንምቅልጣፍ ዝተገብረ ዘተ እዩ ነይሩ። እዚ ዘተ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ ዕጽው ገዛ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብምርኣይ እዩ ተኻይዱ።
“መጀመርታ ናይ ዓሰብ ዑደት ነይሩ። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓሰብ በጺሑ። ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ እውን ተጓዒዙ። ወደብ ዓሰብ ገና ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት እዩ። ኣብ ዝመጽእ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ብዝወሓደ ከም ዝጅምር ይስራሓሉ ኣሎ። ንሕና ኣብ መሬትና እንዓምሞ ስራሕ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መሬቱ ዝሰርሖ ኣሎ። ናይ ሓባር መደባት ብሓባር እንገብሮ ኣሎ። ኣብ ናይ ክልቴና ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ካልኦት መሻርኽትን ኣውፈርትን ዝሳተፍዎ ሰፊሕ መደብ ኣብ
ዓሰብ ተጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ በዚ ተጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ሓጺር ግዜ ምብጋስ ናይቲ ስራሕ ክህሉ እዩ። ወደብ ዓሰብ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ንኽበጽሕ ግዜ ክወስድ ምዃኑን ዓቢ ወፍሪ ከም ዘድልዮን ምፍላጥ የድሊ። ጽርግያ ዓሰብ-ቡሬ ግን፡ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኵነታት እዩ ዘሎ። ስለዚ ብእኡ ስራሕ ንኽጅመር ዋላ ሓንቲ ጸገም የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ቡሬ ንዘሎ ጽርግያ፡ ሓደ-ሓደ ጽርግያ ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ንምጽጋን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ንምጅማር ስራሕ ዝዕንቅፍ ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ኣብቲ ሰፊሕ ኣገልግሎት ክንኣቱ እንተ ዄንና፡ እቲ ጽርግያ ክሰፍሕ ኣለዎ። ዓበይቲ ማካይን ኣብ ሓደ እዋን ከአንግድ ከም ዝኽእል ንምግባሩ መደባት ተታሒዙ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ካልእ ዓበይቲ መደባት ንወደብ ዓሰብ ንምምዕባል ዝተሓስበን ዝተበጋገሰን ኣሎ።
“ናይ ባጽዕ ዑደት እውን ነይሩ። ወደብ ባጽዕ ምስ ወደብ ዓሰብ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ኣሎ። ወደብ ባጽዕ ነቲ ክዀኖ ዝግብኦ ስፍሓትን ዘመናውነትን በጺሑ ማለት ከም ዘይኰነ ንግንዘቦ ኢና። ከምኡ ንክኸውን ዓቢ ወፍሪ ዝሓትት እዩ። ብወገን ኤርትራ፡ ኢትዮጵን ካልኦት መሻርኽትን ዓቕሚ ተወሲኽዎ፡ እናዓበየ ክኸይድ እዩ። ብዘይካኡ ካብ ናይ ኣስመራ ዝበለጸን ዝሰፍሐን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ባጽዕ ኣሎ። ንሱ እውን፡ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ከም ዝኽእል ንምግባር እቲ ስራሕ ተጀማሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ዘሎ ንእሽቶ ናጻ ዞባ ዝበሃል እውን፡ ክልቲኦም መራሕቲ በጺሖም ነይሮም። ንሱ እውን ኣብ ምብግጋስ ከም ዘሎ ንምርኣይ እምበር፡ ዓቢ ነገር ተሰሪሑ ማለት ኣይኰነን። እዚ ሓደ ኣካል ናይቲ ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ክርእይዎ ክኢሎም ኣለዉ። ኣብ ዑደቶም ከኣ፡ ነዚ እናርኣዩ ነቲ ዘተን ምምኽኻርን ምግምጋምን መደብ ምውጻእን ምሕንጻጽን ብሓባር ተኻይዱ ማለት እዩ።” ብምባል ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ብድሕሪ’ዚ ኣቶ የማነ ናብቲ ኣብ ኣስመራ እተኻየደ ንጥፈታት እዩ ሰጊሩ። “እቲ ቐንዲ መደብ ናይ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን እዩ ነይሩ። ንሳቶም ብሰፊሑ ተዘራሪቦምን ተመያይጦምን ኣለዉ። ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ናይ ሓባር ስምምዕ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ተፈሪሙ ኣሎ። እዚ ባህርያዊ ዝዀነ፡ እቲ ሓደ መቐጸልታ ናይቲ ካልእ ዝዀነ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ብጂኦግራፍ ኣብ
ሓደ ዞባ ስለ ዝርከባ፡ ብሓባር እናተደጋገፍና እንተ ሰሪሕና ኣዝዩ ዓቢ ምግባለ ከነመዝግብ ንኽእል ኢና። ነዚ መሰረት ብምግባር እዩ እምበኣር፡ ፈለማ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ተገይሩ። ናይ ኤርትራን ሶማልን ስምምዕ እውን ስዒቡ። ሎሚ ኸኣ፡ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ስምምዕ ተኸቲሙ ዘሎ።” ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብኡ ከም ዘይሕጸር ኣስሚርሉ። ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን እውን ክዝጽንበራኦ ጻዕርታት ከም ዝግበር ሓቢሩ።
“እቲ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምቕያር፡ ምምዕባልን ምትሕብባርን ናይ ቀደም ራእይና ዝነበረ ተዓናቒፉ ጸኒሑ ክንብል ንኽእል ኢና። እንተዀነ፡ ሕጂ ናብቲ ቅኑዕ መስመሩ ዝምለሰሉን ፍረ ክረኣየሉ ዝጀመረን ደረጃ በጺሕና ኣለና። ገና ኣብ ምጅማር ከም ዘለና ዝዀነ ይኹን ሰብ ክዝንግዕ የብሉን። እቲ ምጅማር ናብቲ ክንበጽሖ እንደሊ ዝእምት እዩ። ሰለስቲኦም መራሕቲ ደጋጊሞም ከም ዝበልዎ፡ ንስለስቴና ሃገራት ዘለና ናይ ሰብ፡ ባህርያውን ካልእ ጸጋታትን ብሓባር ክነማዕብሎ እንተ ክኢልና፡ ልዕሊ ሰብና ክንበጽሓሉ ዘይንኽእለሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን” ክብል ኣቶ የማነ ገብርኣብ ገሊጹ።
ንሱ ብምቕጻል፡ “እዚ ሎሚ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ ምስቲ ኣቐዲሙ እተኸተመ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ተመሳሳሊ እዩ። እዚ ዘረጋግጾ ሓቂ፡ እቲ ቐዳማይ ስለስቲአን ሃገራት ናይ ነዊሕ ምትእስሳር ናይ ጆኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋን ሃይማኖትን ዘለወን ሃገራት ምዃነን መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ህዝብታተን ረብሓ ኸኣ፡ ሓደ ምዃኑ እዩ ዘረጋግጽ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ድልዱል ዝምድና ንምግባር ተበጊስን ከም ዘለዋ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ስምምዕ እዚ ድማ፡ ንናጽነት ግዝኣታዊ ሓድነተንን ልኡላውነተንን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ከም ዘኽብራ ዘውሕስን ዘረጋግጽን ዓንቀጽ እዩ። ኣብ መጠረሽታኡ ግን፡ እቲ ስምምዕ እንታይ እዩ ዝብል? ሓደ ድልዱል ዝምድና ንኽገብራ ዘዘኻኽር እዩ። ዝምድናአን ንረብሓ ናይ ህዝብታተን ብዘውሕስን ብዘረጋግጽን መንገዲ ከማዕብልኦ ተዳልየንን ተሰማሚዐንን ከም ዘለዋ ይገልጽ። ካልኣይ፡ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራውን ጸጥታውን ሜዳታት ኣብ ክብ ዝበለ ምትሕግጋዝ ከምዝበጽሓ የረጋግጽ። እቲ ሳልሳይ፡ ኣብ ናተን
ዝምድና ጥራይ ከይተሓጽራ ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ብሓባር ብምውህሃድ ክሰርሓ ምዃነን ይገልጽ። ኣብ መጠረሽታ ድማ፡ ነዚ ትግባረ ናይዚ መደብ ዝከታተልን ዘተግብርን ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ ከምዘቝማ ዝገልጽ እዩ።” ብምባል ንትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ኣነጺሩ።

ንሓላፊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ብዛዕባ ጽልዋ እዚ ስምምዕ ከመይ ከም ዝኸውን ካብ ጋዜጠኛታት ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ። “ንሕና ኵሉ ሻብ ክንህወኽ ኣይንደልን፡ እቲ ጽልዋ እወታዊ ከም ዝኸውን ግን ከም ርጉጽ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ጽልዋኡ ግን፡ ኣብ መጠረሽታ ብስራሕ ወይ ብተግባር እዩ ዝረጋገጽ። እዚ ስምምዕ እዚ ብግብሪ ክስርሓሉ ምስ ጀመረ፡ ውጽኢቱ ንዅሉ ህዝቢ ርኡይ ክኸውን እዩ። ኣብተን ሰለስተ ሃገራት ፈጢርዎ ዘሎ ተስፋ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን። እዚ ዓቢ ሚዛን ዝወሃቦ እዩ። ሶማል ኣብ ዓቢ ብድሆ ከም ዝጸንሐት ኵላትና ንፈልጦ ኢና። እዚ ንባዕሉ ሶማላውያን ካብቲ ዝጸንሕዎ ሃዋህው ወጺኦም ብኽልተ እግሮም ደው ዝብልሉ ኵነታት ኣብ ምፍጣር ዓቢ እጃም ከም ዝህልዎ ከቶ ኣይንጠራጠርን። እቲ ዘገድስ ስራሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተሰማማዕናሉ ስለ ዝዀነ፡ ገና ኸኣ ኣብ ምጅማር ስለ ዘለና፡ ምቝሉል ብዝዀነ መንገዲ ክንሕዞን ኣብ ስራሕ ከነውዕሎን ኣለና።
“ካልእ ክንፈልጦ ዘለና፡ ጽልዋ ኢልካ ክትዛረብ እንከለኻ፡ እቲ ደላዪ ጽቡቕ ነዚ ምቅርራብ ናይዘን ሰለስተ ሃገራት ክሕጐሰሉ እዩ። እቲ ብጸቢብ ኣጠማምታኡ ዝግምግሞ ግዳ፡ ከቆናጽቦን ዘይመልክዑ ክህቦን እዩ። እንተ ኽኢሉ ክዕንቅፎ ክጽዕር ምዃኑ ክንጠራጠር የብልናን። እዚ ኸኣ ክገርመናን ከሰክፈናን የብሉን። ባህርያዊ እዩ። ሰብ ሓደ መንገዲ ክኸተል ጸኒሑ፡ እቲ ዝተኸተሎ መንገዲ ከም ዘይሰርሕ ብግብሪ ምስ ተረጋገጸ፡ ጌጋኡ ተቐቢሉ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ዝመጽእ ኣሎ። ገለ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ምምላስ፡ ናብ ምህዳም፡ ተወሳኺ ጌጋ ምፍጻም ወይ መመኽነይታ ዘቕርብ ኣሎ። ስለዚ ኵሉ ብቕኑዕ ጥራይ ክጥምቶ’ዩ ኢልና ክንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና።
“እቲ ዝበዝሐ ግን፡ መጀመርታ ህዝብታት ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ካብኡ ንላዕሊ እውን እቲ ሰላምን ምዕባለን ዝደሊ ህዝብታት ናይዚ ዞባን ክንዮ
እዚ ዞባን፡ በዚ ምዕባለ ሕጕስ ኣሎ። መሻርኽቲ ናይዘን ሰለስተ ሃገራት ከኣ፡ እጃመን ንምብርካት ድሉዋት ኣለዋ። ነዚ ዝምስክር ስጕምትታት፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ብተግባር ክርአ እዩ። ስለዚ ጽቡቕ ምጅማር እዩ። እቲ ቐንዲ ነገር፡ እንድሕር ብዛዕባ ጽልዋን ትርጕምን ናይዚ ሕጂ ዘለናዮ ምኽንያት ክንዛረብ ዄንና፡ ከመይ ገይርና ኣብዚ በጺሕና? ኢልና ክንሓትት ክንክእል ኣለና። ኣብዚ ክንበጽሕ ዝኽኣልና፡ ብስራሕ፡ ጽንዓትን ቃልስን እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ቃልሲ ስለ ዝተኻየደ፡ መስዋእቲ ስለ እተኸፍለ፡ ጽንዓት ስለ እተንጸባረቐ፡ …ኣብዚ ተበጺሑ። ድሕሪ ሕጂ እውን፡ ብዛዕባ ዝመጽእ ክትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ገና እዚ ስራሕ፡ እዚ ጽንዓት፡ እዚ ቘራጽነት፡ … ከም ዘድሊ ክንጠራጠር የብልናን።” ክብል መብርሂ ሂቡ።
ብድሕሪኡ ንጋዜጠኛታት ቓለ መጠይቕ ዝሃበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፡ ኣሕመድ ዒሳ ዓወድ እዩ ነይሩ። ቀዳመይቲ ዝቐረብትሉ ሕቶ፡ “ኤርትራ ኣብ ምርግጋእ እዚ ዞባ ኣብ እትኽተሎ ፖሊሲ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?” እትብል እያ ነይራ። ሚኒስተር ኣሕመድ፡ “ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ምርግጋእ እዚ ዞባ ዘለዋ ፖሊሲ ኣዝየ ዕጉብ እየ። እዚ ዞባ ከምዚ ዓይነት መርገጺ እዩ ዝደሊ። እዚ ፖሊሲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዞባ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እንሆ ሕጂ ክትግበር ይጅምር ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆን ዓቢ ራእይ ዘለዎም መራሕቲ ስለ ዝዀኑ፡ ነዚ ዞባ ናብ ርህው ሃዋህው ከም ዘሰጋግርዎ ልዑል እምንቶ ኣለኒ። ህዝብታትና ሓደ ዓይነት ባህሊ እዩ ዘለዎም። ሕጂ ዘድልዮም ኣብ መዳይ ፖለቲካን ቍጠባን ምትሕግጋዝ እዩ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክራኸቡ ኣለዎም። ሰላምን ምርግጋእን ክንፈጥረሎም ኣለና። መራሕትና ቃል ኣትዮምልና ዘለዉ እውን ንሱ እዩ። በዚ ድማ፡ ንመርገጺ ኤርትራ አድንቕ።” ኢሉ።
ብዛዕባ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን ኣብ ዝተሓተተሉ ድማ፡ “ሕውነት ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን ኣዝዩ ጥቡቕ እዩ። ኣነ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተቐሚጠ እየ። ንሓደ ኤርትራዊ ብማዕዶ ክርኢ እንከለኹ ጥራይ፡ ነብሰይ ከም ገለ እዩ ዝገብረኒ። ውሽጠይ ባዕሉ ናብቲ ኤርትራዊ ከይደ ንኽሓቕፎ ይደፋፍኣኒ።
ስለዚ ንመዋእል ዝቐጸለ ሕውነታዊ ዝምድና እዩ ዘለና። ምናልባት ሓደ ወለዶ (ancestor) ክህልወና ይኽእል እዩ ዝብል ርድኢት እዩ ዘለኒ። ብዙሓት ሶማላውያን ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ባህጊ ኣለዎም። ብኣንጻሩ እውን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ሶማል ክትበጽሑ ክርእየኩም ልዑል ሃረርታ ኣለኒ።” ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ።
ንጽባሒቱ ማለት ብ6 ነሓሰ እውን ኣብ ኤርትራ ዓቢ ፍጻመ እዩ ተሰላሲሉ። ንሱ ድማ፡ ምኽፋት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ እዩ። ነዚ ልዑል ምድላው እተኻየደሉ መደብ፡ ብንግሆኡ ኣዴታት ብጓይላ፡ ኣባላት ማርሽን ባንድ ድማ ብሙዚቃ፡ ኣማሚቖሙዎ እዮም ኣርፊዶም።

ልክዕ ሰዓት ትሸዓተ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይን ነቲ ኣብ ኣፍደገ እቲ ኤምባሲ ዝነበረ ሪበን ብሓባር ብምቝራጽ፡ ምኽፋት ናይቲ ኤምባሲ ብወግዒ ኣበሲሮም። ብሓባር ድማ ብመዝሙር ኢትዮጵያ ተሰንዮም ንባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብቲ ቐጽሪ ናይቲ ኤምባሲ ሰቒሎም። ካብኡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ መፍትሕ ናይቲ ኤምባሲ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ከረክቦ እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነብረ ዕዱም ልዑል ዕልልታን ጣቕዒትን ኣሰሚዑ። ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ንኽፍልታት እቲ ኤምባሲ እናተዘዋወሩ ተዓዚቦምዎ። ብድሕሪ’ዚ፡ ንዶክተር ኣቢይ ንምፍናው ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣቕኒዖም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ሰዓት ዓሰርተ ቅድሚ ቐትሪ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራን ብኽብሪ ተፋንዩ። ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፈርማጆ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማል ኣሕመድ ዒሳ ዓወድ፡ ሚኒስተር ንግድን ወፍርን መሓመድ ዓብዱ ሓይር፡ ኣባል ፓርላማ ሶማል ዶክተር ዘካርያ መሓመድ ሓጅን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ሶማል ድማ፡ ከባቢ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቐትሪ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራን ብኽብሪ ተፋንዮም።

Latest Articles

ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ክልተ ሕጋጋት...

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (13ይ...

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت