April 5, 2025
ቀዳሞት ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት
ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ግፍዒታት ጸላኢ (1967) ኣብ ብዙሓት ዓድታት ኣውራጃታት ባርካን ጋሽን፡ ሳሕል፡ ሰምሃር፡ ሰንሒትን ደብባዊ ኣከለጉዛይን ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ተመልኪትና ነይርና። ናብ ካልኣይ መድረኽ ግፍዒታት 1970 – 1972 ብምስጋር ድማ ድሕሪ ቅትለት ኣዛዚ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ኣብ በስክዲራ፡ ዖና፡ ገለብ፡ ሮራ ቤት ገብሩን ካልኦት ዓድታት ሰንሒትን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂትን በብዓይነቱ መስክሕ ግፍዒታትን ኣንቢብና። መቐጸልታኡ ይስዕብ።