April 13, 2025
ሓይልታት ሰውራ ኣብ ከባቢ ዓድታት ኣስመራ ሰፊረን፡ ብቐጻሊ ናይ ከተማ ስርሒታት ኣብ ዝፍጽማሉ ዝነበራ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 1974፡ ስርዓት ደርግ ብወገኑ፡ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ሰራዊት ናብ ኣስመራ እናወሰኸ፡ እንተላይ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ካልኦት ብፍሉይ ተልእኾ ዝመጹ ኣሃዱታትን ኣብ ጸጥታዊ ስራሕ እናዋፈረ፡ ሓይሉ ከደልድል ይፍትን ነበረ። ፈዳይን ናይ ክልቲአን ውድባት ሰውራ ኤርትራ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ዝተፈላለየ ስርሒታት የካይዱ ነበሩ። ሓደ ካብቲ ንወተሃደራት ደርግ ዘሰንበደ ስርሒት፡ ኣብ ባር ጎንደርን ባር ኢንተርናሽናልን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ደርግ ዝተፈጸመ ብዙሓት መኰንናት