March 17, 2018
ናደው እዚ ካብ ዝፈርስን ከተማ ኣፍዓበት
ሓራ ካብ ትወጽእን 30 ዓመት ኮይኑ
19 መጋቢት 1988 – 19 መጋቢት 2018
ዕምቆትን ትርጉም ኲናት ናደው እዚ
ኤለክትሮኒካዊ መርበብ ማእከል እስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ምፍራስ ናደው እዚን ምሕራር ከተማ ኣፍዓበትን ምስ ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ። ዕላማ ናይ’ዚ ቃለ መጠይቕ’ዚ ድማ ትርጉምን ዕምቆትን ናይ`ዚ መሰረታዊ ወታደራውን ፓለቲካውን ዓወት እዩ። ከምዝዝከር፡ እንግሊዛዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ባዚል ደቪድሰን፡ ኣገዳስነት ኲናት “ናደው እዝ” ልክዕ ምስ ኲናት ድያን ቢያንፉ ኣወዳዲሩዎ። ኲናት ምሕራር ከተማ ኣፍዓበት ኣብ 1988 ንቅኑዕነት ናይ’ቲ ኣብ 1978 ዝሓለፈ ውሳነ እስትራተጂያዊ ምዝላቕ ዘመስከረ’ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንምሕራር ከተማ ምጽዋዕ ኣብ 1990 መገዲ ከፊቱ። መግዛእታዊ ህላዌ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ኤርትራ ኣብ 1991 ምሉእ ብምሉእ ንኽጽረግ…