April 27, 2019

ኤርትራ፣ ምድሪ ባሕሪ
ሳልሳይ ምዕራፍ
ቀዳሞት ኣድራጋ ጠያይቲ
(7)

ደራሲ – ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ኢትዮጵያ ብ 14 ሕዳር 1962 ንኤርትራ ብሓይሊ፣ ናብ ግዝኣታ ምስ ጸንበረት፣ ንዝነበረ ፈደራላዊ ስርዓት ብኡ ንብኡ ፍሩስ ከም ዝኸውንን ከም ዝስረዝን ገበረት። ኣብ ኩለን ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፣ ከም ኣስመራ፣ ከረንን ባጽዕን ዝኣመሰላ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኣብዮቱታን ብቕጽበት ተላዕለ። ከም ውጽኢት ናይተን ዝተኻየዳ ሰልፍታትን ኣብዮቱታን ድማ፣ ብዙሓት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ግዳይ ሞትን ምዱጓንን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ኮኑ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ዑመር እስማዒል ዝተባህለ፣ ንከተማ ከሰላ ምስ መጸ፣ ብኣጋጣሚ ኣብ እንዳ ሻሂ ማሕጁብ ኣልጃዓሊ፣ ምስ እድሪስ ተራኸቡ። ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ፣ ሻህን ዝሑል ማይን ድሕሪ ምእዛዝ፣ እድሪስ ቀልጢፉ፣-“ደሓን ድኻ ዑመር፣ ንከሰላ እንታይ ኣምጸኣካ?” ክብል ሓተቶ። ዑመር እስማዒል፣-“ኩነታት ዓዲ ሕማቕ እዩ ዘሎ። ሰላማዊ ሰልፍታትን ኣድማታትን ኣብ ኣብያተ-መቕደስ፣ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያናትን፣ ኣብ ቅዱስ ቁርእን ዘምህሩ ከባቢታት ከተረፉ ብምልሓሞም፣ ሓፈሻዊ ኩነታትን ህይወትን ኣብ ኤርትራ እናተዘናበላ…

Latest Articles

ገምጋም መጽሓፍ፣ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962

1961الفاتح من سبتمبر نهاية مرحلة وبداية مرحلة وفاتحة مرحلة

Statement by Mr. Tesfai Ghebreselassie Sebhatu