January 4, 2020

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን!
ብዕዙዝ ኣጋጣሚ ናይዛ እንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2020፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሓይልታት ምክልኻሉ ዮሃና! ዓመተ 2019 ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብተስፋኡን ርጉጽነቱን ኣብ ዜተኣማምን ክብታ ደይብና ንሰናበታ ኣለና። ናብዚ እሙንን ውሑስን ባይታ ዜብጽሓና፣ ምስ ምቹእ ዞባዊ ኩነታት፡ ብቐንዱ ዘቤታዊ ሓይልና እዩ። መስመርና ሓራ፣ መሳርዕና ስጡም፣ መንፈስና ርጉእ ጌርና ስለዝመረሽና። ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዋእል ተሪር ጉዕዞ፡ ሓዳስ ዓመት 2020፡ ኣብ ሓድሽ ዓለማዊን ዞባዊን ሃዋህው፡ ጭቡጥ ዕድላት ኣብ ቅድሜና ኣምሪሕና ንኣትዋ ኣለና። ክስገር ዘለዎ ተረፍ-መረፍ ብድሆታት እናሓጸብና ድማ፡ ብስራሕና ከፋቲት ዝጠዓመ እዋን ክንገብራ ኢና። ሎሚ እውን ከምዝሓለፈ መድረኻት ቃልሲ፡ ዓወትና ናይ ግድን እዩ። ዝሓለኖ ብግብሪ ዝፍጽም፡ ወትሩ ዕዉት፡ ዘይጸዓድ መንፈስ ስለእንውንን!!

ደጊመ ርሑስ ሓድሽ ዓመት!
ዓወት ንሓ ፋሽ!

Latest Articles

ገምጋም መጽሓፍ፣ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ 1915-1962

1961الفاتح من سبتمبر نهاية مرحلة وبداية مرحلة وفاتحة مرحلة

Statement by Mr. Tesfai Ghebreselassie Sebhatu