January 25, 2020
ጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ዓብደልቃድር ኣሕመድ
* ተሳትፎ ደቀንትዮ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መዓስ ጀሚሩ ክንብል ንኽእል ?
ብዙሕ ሰብ ተሳትፎ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1970ታት ዝጀመረ ይመስሎ ይኸውን። ሱታፊ ደቀንስትዮ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ግን ኣብ መፋርቕ 1960ታት ኣብ ግዜ ክፍልታት እዩ ጀሚሩ። ይዝከረኒ ኣብ 1967/65 ኣብ`ታ ብዓብደልከሪም ኣሕምድ ትምራሕ ዝነበረት ሳልሰይቲ ክፍሊ፡ ሰልስተ ተጋደልቲ ኣዋልድ ነይረን። ድሓር ግን ምስቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መንጎ ክፍልታት ዝተላዕለ ሸግራት፡ እተን ደቀንስትዮ ብዙሕ ከይጸንሓ ናብ ሰምሰም ዝበሃል መዓስከር ላጂኢን-ሱዳን ከይደን። እቲ ዝነበረ ፓለቲካዊ ኩነታት ናይቲ ሰውራ ኣይሓገዘንን። ኣብቲ ግዜ`ቲ ናይዘን ደቀንስትዮ ናብ ሜዳ ምስላፍ ንብዙሕ ሰብ ይገርሞ ነበረ።