September 24, 2021

ውግእ ኣዳል – 26 መስከረም 1961

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

25 መስከረም 1961 ሓምድን ብጾቱን ኣብ ሞጎራይብ ኣታሃይ ከለዉ፡ ብካፒታኖ ያሲን በሺር እትምራሕኣሃዱ ስትራይኪንግ ፎርስ (ፊልድ-ፎርስ) ስለዝመጸቶም ገባር ዝሓረድሎም ኣጣል ከይበልዑ ሃዲሞም ኣማስያኦም ናብታ ኣብ እግሪ ጎቦ ኣዳል እትርከብ ናታየ እትበሃል ዓዲ ኣተዉ። ንግሆ 26 መስከረም ናብ ኩርባ ኮርቶ እኳ እንተደየቡ ካብ ዓዲ ከስብ ዝተበገሰ ሓይሊ ጸላኢ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ናብኦም ክመጹ ዋርድያ ዝነበረ ዓዋተ መሓመድ ፋይድ ርእዩ ንሓምድ ሓበሮ። ተቐዳዲሞም ናብቲ ክዕቆቡሉን ክምክትሉን ዝኽእሉ ምብራቓዊ ወገን ጎቦ ኣዳል እናደየቡ ከኣ ምስቶም ወተሃደራት ፊት ንፊት ተራኣኣዩ። ሓምድ ካብቶም ዝረኣዮም ዝበዝሑ ብድሕሪኦም ክህልው ከምዝኽእሉ ብምሕሳብ ስለዝሰግአ ንከራር ኣደምን ሽንግራይ ዓማርን ምዕራባዊ ወገን ጎቦ ኣዳል ክዓጽዉ ኣዘዞም። ካብ ትሊት ዝተበገሱ ፊልድ – ፎርስ በታ ሓምድ ዝጠርጠራ ቦታ ክቕልቀሉን በዓል ከራር ክበጽሑን ድማ ሓንደ ኮነ። በዓል ከራርሓንቲ ጥይት ጥራሕ ትለጉም ብረት እኳ እንተነበሮም ቀዲሞም ስለ ዝረኣዩዎም፡ ሽንግራይ ዝተኮሳ ጥይት ንሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኣውደቐት። ከራር’ውን ቶኰሰ። ካብ ጸላኢ

download

Latest Articles

ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ክልተ ሕጋጋት...

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (13ይ...

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت